ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት
Oписание ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት
ምኽርታት ካብ ስደተኛታት ናብ ስደተኛታት В тигринья тигринья
ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት
ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጹ ወለንታዊን ዘይወለንታውን ምንቅስቃሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝሓዘ ኢዩ. ንኣዳምን ሄዋንን ምርኩስ እንተገይርካ, ናይ ወዲ ሰብ ስደት ካብ ኤደን ናብ ምድሪ ኢዩ ጀሚሩ. ስነ-ጥንቲ ከም ዝሕብሮ ስደት ብምንቅስቃስ ናይ ሆሞኢረክተስ ካብ ኣፍሪቃ ኢዩ ጀሚሩ. ሰባት ከም ብውልቂ, ብስድራ ወይ ድማ ብመልክዕ ዓበይቲ ጉጅለታት ክንቀሳቀሱ ይኽእሉ ኢዮም. ስደት ኣካል ታሪኽ ናይ ዝኾነት ሃገርራብ ዓለም ኢዩ. ደቂሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያት ይስደዱ ከምኒ ጥሜት, ባህርያዊ ሓደጋ, ኩናት, ድኽነት, ኩነታት ኣየር, ዳህሳስ, ወዘተ ዝኣመሰሉ.
ብሰንኩ ብዙሕ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳ መጺእካ ኣሎኻ. ናብዚ ዘሎኻዮ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ተሳቂኻን ብብዙሕ ናይ ህይወት ብድሆታት ሓልፍካን ኢኻ. ናብዚ ምእታው መጀመርታ ኢዩ. ሕጂ ኣብ ሓድሽ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ, ዝተፈልየ ባህሊ, ቋንቋ, ሕብረተሰብ, መብዛሕቲኦም ነገራት ከኣ ንዓኻ ሓደሽቲ ኢዮም. ክትመሃርን ናብቲ ኣከባቢ ክትለማመድን ቅሩብ ክትከውን ኣሎካ. ንብሩህ መጻኢ ክትውስንን ክትሰርሕን ኣሎካ.
እዚ ሰነድ እዚ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ህይወት ምኽርን ማዕዳን ንኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተዳለወ ኢዩ. ዝኾነ ሓድሽ ስደተኛ, ሓታት ዑቕባ, ወይ እውን ንነዊሕ እዋን ዝተቀመጠ ስደተኛ ተረባሓይ ናይዚ ሰነድ ክኸውን ኢዩ. እቲ ምኽርታትን ማዕዳን ካብ ናይ ህይወት ተመክሮ ናቶም ቅድመኹም ዝኣተው ስደተኛታት ዝተኣከበ ኢዩ. ግዜ, ጸዓት ከምኡ እውን ገንዘብ ክትቁጥቡ ዘኽእለኩም ጠቃሚ ሓበሬታ ካብዚ ሰነድ ክትረኽቡ ኢኹም. ገለ መምርሕን ኣንፈታትን ክህበኩም ኢዩ.
Тигринья Тигринья Эритрея
እዚ ምኽርታት ካብ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመክሮ ተወሲዱ ዝተዳለወ ኢዩ, እዚ ሰነድ ብምዕራፋት ዝተኸፍለ ኮይኑ ንሶም ድማ ባህላዊ ጉዳያት, ከመይ ኢልካ ትወሃሃድ, ከመይ ኢልካ ናብቲ ሓድሽ ባህሊ ትወሃሃድ, ምምሃር ቋንቋ, ግዜ, ገንዘብን ፋይናንስን, መጠንቀቕታ, ሓበሬታ, ምድላይ ስራሕ, ዝተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ናይ ሕብረተሰብ ስርዓታትን ሕግታት ከምኡ እዋን ካልኦት ኣርእስታትን ዝሓዘ ኢዩ.
Deutsch German Europe
ኣብዚ ዝመጻእኩሞ ሃገር ህይወትኩም ምቹእን ዕላማ ዘሎዎን ንኽኸውን እዚ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ ክሕግዘኩም ተስፋ ንገብር. ዝኾነ ርእይቶ እንተልይኩም ብኽብረትኩም በቲ ኢመይልና ስደዱልና.
Что нового в последней версии 2.0
Информация ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት APK
Старые Версии ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት
ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት 2.0
ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት 1.5
ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት 1.2
Супер Быстрая и Безопасная Загрузка через Приложение APKPure
Один клик для установки XAPK/APK файлов на Android!