ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት


2.0 توسط Afromium Digital Solutions
16/08/2024 نسخه‌های قدیمی

درباره‌ی ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

ምኽርታት ካብ ስደተኛታት ናብ ስደተኛታት در Tigrigna تیگرینیا

ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጹ ወለንታዊን ዘይወለንታውን ምንቅስቃሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝሓዘ ኢዩ. ንኣዳምን ሄዋንን ምርኩስ እንተገይርካ، ናይ ወዲ ሰብ ስደት ካብ ኤደን ናብ ምድሪ ኢዩ ጀሚሩ. ስነ-ጥንቲ ከም ዝሕብሮ ስደት ብምንቅስቃስ ናይ ሆሞኢረክተስ ካብ ኣፍሪቃ ኢዩ ጀሚሩ. ሰባት ከም ብውልቂ، ብስድራ ወይ ድማ ብመልክዕ ዓበይቲ ጉጅለታት ክንቀሳቀሱ ይኽእሉ ኢዮም. ስደት ኣካል ታሪኽ ናይ ዝኾነት ሃገርራብ ዓለም ኢዩ. ደቂሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያት ይስደዱ ከምኒ ጥሜት، ባህርያዊ ሓደጋ، ኩናት، ድኽነት، ኩነታት ኣየር، ዳህሳስ، ወዘተ ዝኣመሰሉ.

ብሰንኩ ብዙሕ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳ መጺእካ ኣሎኻ. ናብዚ ዘሎኻዮ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ተሳቂኻን ብብዙሕ ናይ ህይወት ብድሆታት ሓልፍካን ኢኻ. ናብዚ ምእታው መጀመርታ ኢዩ. ሕጂ ኣብ ሓድሽ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ، ዝተፈልየ ባህሊ، ቋንቋ، ሕብረተሰብ، መብዛሕቲኦም ነገራት ከኣ ንዓኻ ሓደሽቲ ኢዮም. ክትመሃርን ናብቲ ኣከባቢ ክትለማመድን ቅሩብ ክትከውን ኣሎካ. ንብሩህ መጻኢ ክትውስንን ክትሰርሕን ኣሎካ.

እዚ ሰነድ እዚ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ህይወት ምኽርን ማዕዳን ንኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተዳለወ ኢዩ. ዝኾነ ሓድሽ ስደተኛ، ሓታት ዑቕባ، ወይ እውን ንነዊሕ እዋን ዝተቀመጠ ስደተኛ ተረባሓይ ናይዚ ሰነድ ክኸውን ኢዩ. እቲ ምኽርታትን ማዕዳን ካብ ናይ ህይወት ተመክሮ ናቶም ቅድመኹም ዝኣተው ስደተኛታት ዝተኣከበ ኢዩ. ግዜ، ጸዓት ከምኡ እውን ገንዘብ ክትቁጥቡ ዘኽእለኩም ጠቃሚ ሓበሬታ ካብዚ ሰነድ ክትረኽቡ ኢኹም. ገለ መምርሕን ኣንፈታትን ክህበኩም ኢዩ.

تیگرینیا Tigrigna اریتره

እዚ ምኽርታት ካብ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመክሮ ተወሲዱ ዝተዳለወ ኢዩ، እዚ ሰነድ ብምዕራፋት ዝተኸፍለ ኮይኑ ንሶም ድማ ባህላዊ ጉዳያት، ከመይ ኢልካ ትወሃሃድ، ከመይ ኢልካ ናብቲ ሓድሽ ባህሊ ትወሃሃድ، ምምሃር ቋንቋ، ግዜ، ገንዘብን ፋይናንስን، መጠንቀቕታ، ሓበሬታ، ምድላይ ስራሕ، ዝተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ናይ ሕብረተሰብ ስርዓታትን ሕግታት ከምኡ እዋን ካልኦት ኣርእስታትን ዝሓዘ ኢዩ.

دویچ آلمان اروپا

ኣብዚ ዝመጻእኩሞ ሃገር ህይወትኩም ምቹእን ዕላማ ዘሎዎን ንኽኸውን እዚ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ ክሕግዘኩም ተስፋ ንገብር. ዝኾነ ርእይቶ እንተልይኩም ብኽብረትኩም በቲ ኢመይልና ስደዱልና.

اطلاعات تکمیلی برنامه

آخرین نسخه

2.0

بارگذاری شده توسط

Shãñīï Ìçëbérg

نیاز به اندروید

Android 5.0+

در دسترس در

نمایش بیشتر

جایگزین ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

از Afromium Digital Solutions بیشتر دریافت کنید

کشف کنید