ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት


2.0 by Afromium Digital Solutions
Aug 16, 2024 이전 버전

ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት 정보

ምኽርታት ካብ ስደተኛታት ናብ ስደተኛታት 티 그리 냐어 티 그리 냐어에서

ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት

ናይ ወዲ ሰብ ታሪኽ ብሰንኪ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝመጹ ወለንታዊን ዘይወለንታውን ምንቅስቃሳት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝሓዘ ኢዩ. ንኣዳምን ሄዋንን ምርኩስ እንተገይርካ, ናይ ወዲ ሰብ ስደት ካብ ኤደን ናብ ምድሪ ኢዩ ጀሚሩ. ስነ-ጥንቲ ከም ዝሕብሮ ስደት ብምንቅስቃስ ናይ ሆሞኢረክተስ ካብ ኣፍሪቃ ኢዩ ጀሚሩ. ሰባት ከም ብውልቂ, ብስድራ ወይ ድማ ብመልክዕ ዓበይቲ ጉጅለታት ክንቀሳቀሱ ይኽእሉ ኢዮም. ስደት ኣካል ታሪኽ ናይ ዝኾነት ሃገርራብ ዓለም ኢዩ. ደቂሰባት ብሰንኪ ብዙሕ ምኽንያት ይስደዱ ከምኒ ጥሜት, ባህርያዊ ሓደጋ, ኩናት, ድኽነት, ኩነታት ኣየር, ዳህሳስ, ወዘተ ዝኣመሰሉ.

ብሰንኩ ብዙሕ ምኽንያት ናብ ኤውሮጳ መጺእካ ኣሎኻ. ናብዚ ዘሎኻዮ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ተሳቂኻን ብብዙሕ ናይ ህይወት ብድሆታት ሓልፍካን ኢኻ. ናብዚ ምእታው መጀመርታ ኢዩ. ሕጂ ኣብ ሓድሽ ሃገር ኢኻ ዘሎኻ, ዝተፈልየ ባህሊ, ቋንቋ, ሕብረተሰብ, መብዛሕቲኦም ነገራት ከኣ ንዓኻ ሓደሽቲ ኢዮም. ክትመሃርን ናብቲ ኣከባቢ ክትለማመድን ቅሩብ ክትከውን ኣሎካ. ንብሩህ መጻኢ ክትውስንን ክትሰርሕን ኣሎካ.

እዚ ሰነድ እዚ ግብራዊ ዝኾኑ ናይ ህይወት ምኽርን ማዕዳን ንኣብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ዝተዳለወ ኢዩ. ዝኾነ ሓድሽ ስደተኛ, ሓታት ዑቕባ, ወይ እውን ንነዊሕ እዋን ዝተቀመጠ ስደተኛ ተረባሓይ ናይዚ ሰነድ ክኸውን ኢዩ. እቲ ምኽርታትን ማዕዳን ካብ ናይ ህይወት ተመክሮ ናቶም ቅድመኹም ዝኣተው ስደተኛታት ዝተኣከበ ኢዩ. ግዜ, ጸዓት ከምኡ እውን ገንዘብ ክትቁጥቡ ዘኽእለኩም ጠቃሚ ሓበሬታ ካብዚ ሰነድ ክትረኽቡ ኢኹም. ገለ መምርሕን ኣንፈታትን ክህበኩም ኢዩ.

티 그린 티 그리 냐어 에리트레아

እዚ ምኽርታት ካብ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመክሮ ተወሲዱ ዝተዳለወ ኢዩ, እዚ ሰነድ ብምዕራፋት ዝተኸፍለ ኮይኑ ንሶም ድማ ባህላዊ ጉዳያት, ከመይ ኢልካ ትወሃሃድ, ከመይ ኢልካ ናብቲ ሓድሽ ባህሊ ትወሃሃድ, ምምሃር ቋንቋ, ግዜ, ገንዘብን ፋይናንስን, መጠንቀቕታ, ሓበሬታ, ምድላይ ስራሕ, ዝተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ናይ ሕብረተሰብ ስርዓታትን ሕግታት ከምኡ እዋን ካልኦት ኣርእስታትን ዝሓዘ ኢዩ.

독일어 독일어 유럽

ኣብዚ ዝመጻእኩሞ ሃገር ህይወትኩም ምቹእን ዕላማ ዘሎዎን ንኽኸውን እዚ ኣብዚ ሰነድ ዘሎ ሓበሬታ ክሕግዘኩም ተስፋ ንገብር. ዝኾነ ርእይቶ እንተልይኩም ብኽብረትኩም በቲ ኢመይልና ስደዱልና.

추가 앱 정보

최신 버전

2.0

업로드한 사람

Shãñīï Ìçëbérg

필요한 Android 버전

Android 5.0+

Available on

더 보기

Use APKPure App

Get ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት old version APK for Android

다운로드

Use APKPure App

Get ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት old version APK for Android

다운로드

ግብራውን ጠቓምን ምኽርታት ንስደተኛታት 대안

Afromium Digital Solutions에서 더 많은 것을 얻기

발견하다